ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ፋውንዴሽን ዲቦራ ዕደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቢይ ኣብ ፋውንዴሽን ዲቦራ ዕደት ኣካይዶም።

ኣብቲ ዑደት ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው እውን ተረኺበን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ከምዝበሉወዎ፥ ፋውንዴሽን ሕማም ስነ-ኣእምሮ ዝገጠሞም መናእሰይ ንምልዋጥ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ዝድነቕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ አቶም መናእሰይ ንምርኣይን ሓዱሽ ዓመት ንኽኾነሎም ንምምናይ ኣብ ሞንጎኦም ተረኺበ እቲ ፋውንዴሽን ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኣድኒቐ ኢየ” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment