ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተተኸሉ ተኽሊታት 84 ሚኢታዊ ከምዝፀደቑ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዋን ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ዓሸራ ብብርኪ ዝተተኸሉ ተኽሊታት 84 ሚኢታዊ ከምዝፀደቑ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ እቶም ፈልሲታት ንኽፀድቁ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ምክንኻን ስራሕቲ እናተሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ።

ብማእኸላይ 84 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተኽሊታት ምፅዳቖም ድማ ንዝቕፅል መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ምድላው ኣብ ዝግበረሉ እዋን ብምዃኑ፥ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment