ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ለውጢ ዝተፈጠረ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣረዲኦም።

ነቲ ህዝባዊ ምንቅሳቓስ ስዒቡ ዝመፅአ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ማንነት መሰረት ዝገበረ ጎንፅታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እንትፈጥር ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ቀጠናዊ ሰላም ንምህዋኽ ምንቅስቓስ እነገበረ ከምዝፀንሐ እውን ተዛሪቦም።

ከብዚ ሓሊፉ ካብ ፍቓድ ቦርድ ምርጫ ወፃእ ምርጫ ምክያዱ ብምሕባር፥ ኣብቲ ክልል ስሩዕ ዘይኮነ ሚሊሻን ፍሉይ ሓይሊን እንተሰልጥን ከምዝፀንሀ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ድማ 24 ጥቅምቲ  እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ኣረዲኦም።

ድሕሪ እዚ መንግስቲ ብፍቓድ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምዝጀመረ አረዲኦም።

እቲ ወፍሪ ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛሙ ድማ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ምስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ብምትሕሓዝ ዝቐርቡ ክስታት መሰረት ኣልባ ከምዝኾን እውን ገሊፆም።

መንገስቲ ፌዴራል ን4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት 84 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ምግቢ ህፁፅ እዋን ከምዘቕረበ እውን ኣረዲኦም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኣክሱም ሓዊስ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ክልል ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

መንግስቲ እውን ምስ ዝምልከቶም ትካላት ሕቡራት መንግስታት ንምትሕብባር ድሉው ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብምዃን ምርመራ ንኸካይድ ፍቓድና ንገልፅ እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment