ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብዚ ዓመት ዝትከሉ ፈልሲታት ዝርከቡሉ ብርኪ ዑደት ኣካይዶም

አዲስ አበባ ፣ ሚያዚያ 16 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ዓመት ዝትከሉ ፈልሲታት ዝርከቡሉ ብርኪ ዑደት ኣካይዶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብምዃን፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢ ሶደሬ ተረኺቦም ኢዮም ስራሕቲ ምፍላስ እቶም ፈልሲታት ዝርከበሉ ኩነታት ዑደት ክገብሩ ዝኸኣሉ።

ኣብዚ ዓመት 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነዙይ ዝኸውን ድማ ብብርኪ ሃገር ኣብ 38 ሺሕ መፍለሲ ጣቢያታት ፈልሲታት እናፈለሱ ከምዝርከቡ ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

መብዛሕተኦም ፈልሲታት ንምግብነት ዝውዕሉ ከም ኣቦካዶን ማንጎን ዝበሉ ፍረምረታት ኢዮም።

ዝርገሓ ቫይረስ ኮሮና ምዕጋት እንተተኻኢሉ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ፈልሲታት ምትካል ከምዝጅመር እውን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብብርኪ ሃገር 4 ቢሊየን ተኽሊታት ከምዝተተኸሉ ዘዘኻኸሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኩነታት ዝናብ ፅቡቕ ስለዝነበረን ክንክን ስለዝተገበረሎምን መብዛሕተኦም ተኽሊታት ክፀድቑ ከምዝኸኣሉ ኣገንዚቦም።

ናይዚ ዓመት ሓዊሱ ኣብ ዝቕፅሉ ኣራባዕተ ዓማውቲ ክሳብ 20 ቢሊየን ተኽሊ ንምትካል እናተሰርሕ ምዃኑ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment