ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ከይዲ፣ ውፅኢትን ትርጉምን ሰላም ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከይዲ፣ ውፅኢትን ትርጉምን ሰላም ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣፈ ጉባኤ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ፣ ርእሳነ ምምሕዳርን ሚኒስትራትን ተረኺቦም።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሔራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን÷ ኣብቲ ልዝብ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ዝምልከት ሓፈሻዊ ገለፃ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝሓለወን ሉኣላዊነት ሃገር ዘኽበረን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ዝባኸኑ እዋናት ዝኽሕስን ዝተጎድኡ ከባቢታት ብዳግመ ህንፀት ንምስትኽኻል ትኹረት ዝህብን ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝተለዓለ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊጾም።

በቲ ኲናት ዝተጎድአት ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ስለዝኾኑ ረብሓ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኹሉ ኢዩ ምባሎም ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣተገባብራ እቲ ስምምዕነት ዕዉት ንኽኸውን÷ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment