ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣድሂቦም ብትግርኛ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣድሂቦም ብትግርኛ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ሙሉእ መልእኽቲ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

እዚ መልእኽቲ እዙይ ኣብ በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ተገዲድና ዘኣተናዮ መሕዘኒ ኩነታት ኮይነ ከሕልፍ ከቢድ ጓሂ ይስመዐኒ። መንግስቲ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ሰላም ብልፅግናን ስርዓት ፍትሒን ከብፅሕ ራኢ ሰኒቑ መደብ ሓንፂፁ ብዓቢዪ ናህሪ ኣብ ምስራሕ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እቲ ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ማእገር ህዝቢና ቸቸ ዝብል ሓይሊ ጥፍኣት ብተደጋጋሚ ጉዕዞና ከዕንቅፈናን ሕዚ ናብ ናይ መወዳእታ ኣብፂሑዎ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጠላምን ጨቋኒን ሓይሊ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘሎ ክልተ ዓመታትን ፈረቓን ብዝተፈላለየ መገዲ ሰላምናን ልምዓትናን ከተዓናቕፍ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

እዚ ሓይሊ እዙይ ብቐዳምነት ንዓኻ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሓውካ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፂሉ ተቀዋዳሲ ብልፅግናን ሰላምን ከይትኸውን ገይሩካ ፀኒሑ ኣሎ። ብኻል ወገን ድማ ብኻልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክትፅላእ ብስምካ ብዙሕ ሕማቕ ዘበለ ሰሪሑ።

ብቐጻልነት ነቲ ብደምን ዓፅሚን ደቂኻ ዝተኸልካዮ ሕገ መንግስቲ ብግልፂ ሓደ ብሓደ ጥሒሱዎ።እዚ ሓይሊ እዙይ፥ ንስሙ ሕገ መንግስቲ ይከበር እናበለ ሕገ መንግስቲ ሓደ ብሓደ ምጥሓስ ጀሚሩ። ከም ኣብነት ብመጀመርያ ብፓርላማ ዝወፅኡ ሕጊታት ብውሳነ ነፂጉ። ብካልኣይ ደረጃ ካብ ሕጊ ወፃኢ ምስ ዓለም ለኸ ትካላትን ሃገራትን ብጎኒ ርክባት ጀሚሩ። ሳልሰሳይ ኣብ መላእ ዓለምን ሃገርናን ብዝተኸሰተ ለበዳ ቫይረስ ምኽንያት ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተወሰነ ናይ መረፃ ምንዋሕ ውሳነ ብግልፂ ጥሒሱ ዘይሕጋዊ መረፃ ኣካይዱ። ብራብዓይ ደረጃ ንፌዴራላዊ መንግስቲ ኮነ ክልላዊ መንግስታት ኣፍልጦ ኣይህብን ኢሉ ርክብ በቲኹ። ሓምሻይ ኣብ ካልኦት ምስ ዝርከቡ ዕሱባት እናተሻረኸ ሰላም ይዘርግን ህይወት ንፁሃን ዜጋታት የጥፍእን ኣሎ።

ዝኸበርካ ህዝቢና

እቲ ገበነኛ ጉጅለ ኩሉ ስርዓት ኣልቦ ስጉምቲ ንኽብርኻን ድሕንነትካን ክብል መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይወሰደን።  ብፍላይ ድማ ኣብዛ እዋን እዚኣ ኮሮናን ኣምበጣን ምክልኻል ከምኡ ድማ ዝራእቲ ምእካብን ስለዝኾነ ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ክንኣቱ ፈፂምና ኣይሓሰብናን ነይርና።

እቶም ዝጠቐስኩዎምን ካልኦትን ምኽንያታት ናብ ሓይሊ ስጉምቲ ዝደፍኡ እኳ እንተነበሩ፥ ንኽብርኻን ድሕንነትካን ኢልና ዋላ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይወሰድናን።

ዝኸበርካ ህዝቢና

እዚ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጠረ ዕሉል ገበነኛ ሓይሊ ኣብ መወዳእትኡ ንኣስታት 20 ዓመታት ምሳኻ ዝነበረ ዝሓለወካን ፀገምካ እናተኻፈለ ዝተዛመደን ሓይሊ ምክልኻል ደቂሱ እንተሎ ኣብ ካምፒታት ኣትዩ ብዘሰክሕ መገዲ መጥቃዕቲ ፈኒዩ።

ነቲ ምእንተ ንስኻ ሳላም ክትከውን መስዋእቲ ዝኸፈለ እዚ ሰሜን ኣብ ዓለም ተራኢዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ጥቕዓት ኣብፂሑሉ። እዚ ክገብር ከሎ ርክባት ከይህሉ ቴሌፎንን ኤሌክትሪክን ቆሪፁ ኣብ ፀልማት ገይሩዎም።

ዝኸበርካ ህዝቢና መንግስቲ ናይ ሓሊ ስጉምቲ ንምትራፍ ዘርኣዮ ትዕግስቲ በዚ ኣረመኔ ሓይሊ እዚ ፈሺሉ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ናብ ምኽባር ሕጊ ኣቲዩ ኣሎ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

እቲ ኣካል ናይ ምኽባር ሕጊ ናይ ሓሊ ስጉምቲ ምስ ሙሉእ ውዳበ ህወሓት ኣይኮነን ከምኡ እውን ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ትግራይ ኣይኮነን። የግዳስ ምሰቲ ደመኛን ዘራጊን ሓይሊ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ሓይሊ እዙይ ኣብ ውሽጢ ህዝቢን ህወሓትን ተሓቢኡ ንኣኻን ንመላእ ህዝቢ ኢዮጵያን  ዝዘርግ ዘሎ ሓይሊ ኢዩ። ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ክህሉ ይኽል ኢዩ። እቲ መጥቃዕቲ ንሲቪላት ዒላማ ዝገበረ ዘይኮነስ ነቲ ሓደገኛ ሓይሊ ዝገበቶም ዓቕሚታት ዒላማ ዝገብር ኢዩ።

ይኹን እምበር ዘይተሓሰበ ግዳማዊ ሓደጋ ከይስዕብ ሲቪላት ኣብ ከተማታት ተኣኪብካ ምንቅስቓስ ክትቅንሱ ይሕብር። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ እቲ ወገንካ ዝኾነ ሓይሊ ምክልኻል ሓቢርካ ዕድመ እዚ ፀላኢ ንምሕፃር ካብ ዝተሓብአሉ ጉድጓድ ኣውፂእኻ ንኣባላት ምክልኻል ሃገር ክተርክቦ ወይ ድማ ክትሕብር፣ ካልኣይ ምስ ሓይሊታት ምክልኻል ሓቢርካ ነዚ ኣረመኔያዊ ሓይሊ እዚ ክተቃብፅ እሞ ብቅልጡፍ ናብ ስራሕቲ ልምዓት ክትኣቱ ፃውዒተይ የቕርብ።

ዝኸበርኩም ሓይሊታት ፀፅታ ትግራይ

እዚ ገበነኛ ሓይሊ እዙይ ነዓኻትኩም ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ሓይሊ ኢዩ። መንግስቲ ምስ እኩይ ሓይሊ እምበር ምሳኻትኩም ፀገም ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ኣብ ምውጋድ እዚ እኩይ ሓይሊ ክትነጥፉ ፃውዒተይ የቕርብ።

ስለዝኾነ ድማ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ወይ ድማ ናብ ቀረባኹም ዘለዉ ሓይሊታት ምህልኻል ኢድኩም ክትህቡ፣ ንኣባላት እዚ እኩይ ገበነኛ ሓይሊ ክትወግኡ፣ ኣባላትን መሪሕነትን እዚ እኩይ ሓይሊ ከየሃድሙ መገዲታት ክትዓፅዉ እፅውዕ።

ዝኸበርኩም መናእሰይ ትግራይ

ሃገርና ገጢሙዋ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ታሪኽ ሪኣቶ ዘይትፈልጥን ዝገርምን ኢዩ። ኣቦታትኩም ዝሃነፁዋ ሃገር ኣያታትኩም ዝተሰውኣሉ ሃገር በዚ እኩይ ሓይሊ ኣብ ሓፂር ግዘ ተደፊራ ኣላ። አዚ ሓይሊ ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ።

ስለዝኾነ ድማ ኣንፃሩ ክትለዓሉን ኣብ ሓፂር እዋን ዕማምና ዛዚምና ናብ ጉዳይ ልምዓትና ክንኣቱ ክትሕግዙ ይፅውዕ።

ኢትዮጵያ ክትስዕር ኢያ!

የቕንየለይ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment