ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ንገበነኛታት ቦታ የብላን ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ንገበነኛታት ቦታ የብላን ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ህዝቢ ትግራይ ይኹን ዝኾነ ይኹን ዜጋ መሕብኢ ገበነኛታት ኣይኸውንን” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 51 ብምፅራሕ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ሕገ-መንግስቲ ናይ ምኽባር ግቡእ ከምዘለዎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ጉጅለ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ስጉምቲታት ከምዝውሰድ እውን ኣብሪሆም።

“ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ካብ ዝተሓብኡሉ ብምውፃእ መላእ ህዝቢ ናብ ጉዕዞ ምዕባለ ክንመርሖ ኢና” ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment