ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽም፥ ህዝቢ ኦሮሞ ፍቕሪ፣ ሕውነትን ዕርቂን ብዘሃንፁ ባህላዊ ክብሪታት ዝማዕበለ ህዝቢ ከምዝኾነ ኣብሪሆመ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ዘደንቑ ባህላዊ ክብሪታት ሓደ ድማ በዓል ኢሬቻ ሓደ ከምዝኾነን እዚ ባህላዊ ክብሪ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ብምግባር ንኢትዮጵያ ዘበርከቱዎ ቀዳሞት ኣቦታት ክብሪን ምስጋናን ከምዝግበኦም ገሊፆም፡፡

“ኢሬቻ፥ በዓል ምስጋና፣ ዕርቂን ሰላምን ኢዩ፤ በዓል ፍቕሪ፣ ይቕሬታን ሓድነትን ኢዩ፣ መፃኢ ግዘ ብሩህ ንኽኸውን ቃል ዝእተወሉ በዓል ኢዩ፤ ንኹሉ ኣመዓራርዩ ውቁብ ገይሩ ንዝፈጠረ ፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ፣ ዝቕፅል እዋን ብሩህ ንኽኸውን ሰናይ ትምኒት ዝቐርበሉ በዓል ኢዩ” ልብሉ ገሊፆም፡፡

በዓል ኢሬቻ፥ ትማሊ ዝምስገነሉን ንፅባሕ ሰላም ዝግበረሉ በዓል፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣሕሊፉ ናብዚ ዘብቀዐ ፈጣሪ ዝምስገነሉን ዝቕፅል ዓመት ብሰናይ ትምኒትን ሰናይ ተግባርን ዝጅመረሉ፣ ንጥዕና ተፈጥሮ ልዑል ዋጋ ዝወሃበሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ኣብ መልእኽቶም ኣገንዚቦም፡፡

ኢሬቻ ብንፁህ ህሊናን ኣተሓሳስባን ብሙሉእ ሓጎስ ዝኽበር በዓል ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ በዓል በዓል ምስጋናን ሓድነትን ብምዃኑ ብህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዝኽበር ዘይኮነስ ኩሎም መሰረታዊ ክብሪታት በዓል ኢሬቻ ዝካፈሉ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያውያ ብባህላዊ ኣባሳቶም ተመላኺዖም፣ እናዜሙን እናጨፈሩን ዘድምቑዎ፣ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘተኣሳስር ጥንኩር ሓረግ ከምዝኾነ ዘርእዩሉ በዓል ኢዩ ኢሎም፡፡

“ስለዝኾነ እውን በዓል ኢሬቻ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን በዓል ኢዩ” ኢሎም፡፡

በዓል ኢሬቻ፥ በዓል ምስጋር ኢዩ፤ ብፀልማት ዝምሰል እዋን ክረምቲ ናብ ብርሃናዊ ቀውዒ፣ ካብ ፅልኢ ናብ ፍቕሪ፣ ካብ ፅልእ ናብ ሕውነት፣ ካብ ባእሲ ናብ ዕርቂ፣ ካብ ቂም ናብ ይቅርታ፣ ካብ ክፋእ ናብ ሰናይ ተግባር ስግግር ዝግበረሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት በዓል ኢሬቻ ተኽሮ ኣብ ሞንጎ ፈተናን ተስፋን ኮይና ኢያ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ እዋን ክረምቲ ሓያል ይኹን እምበር ብቃልሲ ሓረስቶት ግን ተስፋ ዝህነፀሉ እዋን ኢዩ፤ ኣብ እዋን ቀውዒን ሓጋይን ዝትርፍረፍ ፍርያት ኣብ እዋን ክረምቲ ብዝስራሕ ስራሕ ኢዩ፤ ናይ ፅባሕ ምዓባለ ኢትዮጵያ ክድንፍዕ እነተተደልዩ ድማ ሎሚ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኮይንካ ብዝስራሕ ስራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ዝገጠማ ፈተና ክትሓልፍ ትኽእል ፈታኒ ዝኾና ነገር ኣበርቲዓ እንትቃለሶ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኢሬቻ ብፅንዓት፣ ብተስፋ፣ ብሕብረት፣ ብምክእኣል፣ ብቤተሰባዊ መንፈስ ደው ምባል ዘምህር በዓል ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብምክእኣል፣ ብምርድዳእ፣ ብዕርቂ፣ ብይቕሬታን ሰላምን ንምሽጋር ትምህርቲ ኤሬቻ ምውሳድ ከምዝግባእ ብምግላፅ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment