ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚነሲትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል መስቀል እንትሕሰብ ድሕሪ ፈተና ዓወት፣ ድሕሪ ፀልማት ብርሃን፣ ድሕሪ ውድቀት ምልዓልከምዘሎ፤ ኩሉ ጠፊኡ ከምዘይተርፍ፤ ታሪኽ መስቀል ከምምህር ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ስምዒት ኢትዮጵያውነት ካብ ኩሉ ንኽፈሓቕ፤ ብዛዕባ ፍቕሪ ሃገር ካብ ውሽጥና ንኽጠፍእ ብብዙሕ መልክዑ ሽርሒ ተሰሪሑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሕድሕድ ሰብ ብጥርጣረ ንኽረአአ፣ ኣብ ሓጎስ ይኹን ኣብ ሓዘን፣ ኣብ ዓወት ይኹን ጸገምን ሕብረትን ከይቕድም ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ትምኒትናን ድሌትናን ብክልልን ብሄርን ጥራሕ ተሓፂሩ ዝዓበየ ሃገራዊ ምስሊ ከይንዝክር ተፈቲኑ ኢዩ፤ እንተይፈተዉዋ ዝመርሑዋ ፀላእታ፣ ኢትዮጵያ በቢንእሽተይ እናፈረሰት ከምዝኾት እናሓሰቡ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

“ይኹን እምበር ንሳቶም ከምዝሓሰቡዎ ኣይኮነን፡፡ ኢትዮጵያውነት ከም መስቀል ክርስትያን ናይ ምፍልላይ ሓመድ ዝተፀዓኖ ይምሰል እምበር ኣይጠፍአን፡፡ ሓድነትና ዝተዳኸመ ይምሰል እምበር ኣይተበተኸን፡፡ ንሃገር ዘለና ቅንዕና ዝተሸፈነ ይምሰል እምበር ኣይዘሓለን” ኢሎም።

“ኢትጵያዊ መንነትና ናይ ብሓቂ ኣብ ደምና” ዝነብር ምዃኑ ብግልፂ ከምዝተረጋገፀ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልክእኽም፥ “ሕብርና መፈላለዪና ዘይኮነስ ገይፂ ሓድነትና ምዃኑ ከም መስቀል ክብ ኣቢልና ኣረጋጊፅና ኢና” ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ሉኣላውነታ ከይድፈር ዝፅዕሩ ደቃ ውሑዳት ከምዘይኮኑ ተረጋጊፁ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ምስ ፀላኢ ኮይኖም ብድሕሪታ ዝወግኡዋ ደቃ በቢመዓልቱ እናፀልመቶም ናብ ሓመድ እንትልወጡ፣ ብኣንፃሩ ድማ ንኽብራ ዝጭነቑ ደቃ ፈተነኦም እናቐለለ፣ ጩራ ዓወት እናረኣዩ ከምዝርከቡ፤ እዋን ፀልማት ተወጊዱ ብርሃን፣ እዋን ፈተና ሓሊፉ ዓወት ዝረኣየሉ እዋን ርሑቕከምዘይኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም።

“በዓል መስቀል እንትነኽብር ግዝኣታዊ ሓድነትና ንምሕላው ኣብ ዱርን ገደልን እናተዋደቑ ንዝርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን እናሓሰብና ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

በዓሉ የሰላም፣ የመረዳዳትና የመተጋገዝ እንዲሆን እመኛለሁ

በዓል መስቀል ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን በዓል ንኽኸውን ዘለዎም ሰናይትምኒት ብምግላፅ፥ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment