ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ህንፀት ሜጋ ፕሮጀክት ማእኸል ሕከምና ሮሃ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ህንፀት ሜጋ ፕሮጀክት ማእኸል ሕከምና ሮሃ ኣጀሚሮም።

ኣብ ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እቲ ማእኸል ሕክምና ዘበናዊን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣገልግሎት ዝህብ እንትኸውን፥ ልዕሊ 1 ሺሕን 200 ዓራት ዘለዎም 5 ሆስፒታላት ዘለውዎ ኢዩ።

ህንፀት እቲ ማእኸል ኢትዮጵያ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ኣፍሪካ ንኽትከውን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ማእኸል ስራሕ እንትጅምር ን4 ሺሕን 200 ሰብ ሙያ ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ዝብል ትልሚ ኣሎ።

ኣብ እዋን ህንፀት ድማ ን7 ሺሕን 500 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ተገሊፁ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment