ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ 62 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ 62 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ገምጋም ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ኣካይዶም።

በዚ ድማ “ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንመበል 12 ግዘ ኣብ ዘካየድኩዎ ገምጋም ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ ብዝለወጥናዮ ምሕደራ ፕሮጀክትን ስርዓት ክትትልን ብዝተልዓለ ሓፈሻዊ ህንፀቱ 62 ሚኢታዊ ምብፅሑ ምዕዛበይ ሓጎስ ተሰሚዑኒ” ኢሎም፡፡

“ብብርኪ ኣፍሪካ ብዕብየቶም ቀዳማይን ሳልሳይን ደረጃ ዝኾኑ ግድባት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኮይሻን ብምዃንና ስራሕቲ ምፍልፋል ፅሩይ ሓይሊ ፃዕርና መዳርግቲ ኣልቦ ይገብሮ” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፡፡

ኣብ ቀረባ ርሕቐት ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ ዝርከብ ዳና ሎጅ ጨበራ ዝሆን ኣብ ንምርቐሉ እዋን ግድብ ኮይሻ ንቱሪዝም እቲ ከባቢ ተወሳኺ ዕድል ኣስተዋፅኦ ዝግብር ኢዩ እውን ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment