ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ልኾምን ብፕሬዚዳንት ሶማሊያ  ሓሰን ሼኽ መሓመድ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ልኾምን ብፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ መሓመድ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ኣብ ልልተኣዉ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለዎም ድሌትን ቆራፅነትን ገሊፆም።

ብፍላይ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተረጋገዐ ንኽኸውን ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ትኹረት ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ መሓመድ÷ ኢትዮጵያ ዝሐሸት ሶማሊያ ንኽትህሉ ዝኀፈለቶ መስዋእቲ ናእደኦም ብምግላፅ ክልቲአን ሃገራት ዘጋጥሙወን ሓበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾ ኣመልኪቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ምስ ሓዱሽ ምምሕዳር ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ብዝተፈላለዩ ብርኪታት ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለታት ትኹረት ከምዝግበርን ጥንክርቲ ሶማሊያ ንጥንካረ ኢትዮጵያ ዝጠቅም ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment