ቀ/ሚ ኣቢይ ንበዓል ፊቼ ጨምበላላ 2012 ዓ.ም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእክቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ሓዱሽ ዓመት ሲዳማ ፊቼ ጨምበላላ 2012 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶ ቀዳማይ ሚነሲትር ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል ሓዱሽ ዓመት ሲዳማ ፊቼ ጨምበላላ ብብርኪ ዓለም ለኸ ኣብ ዩኔስኮ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ ሓሙሽተ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ሓደ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ባህሊ፣ እሴታትን ፀጋታትን ምዃና ዘርኢ ህያው ምስክር ኢዩ ኢሎም።

በዓል ፊቼ ጨምበላላ ኢትዮጵያውያን መስ ሥነ ፈለክ ዝነበሮም ጥንታዊ ፍልጠት ከምዘመላኽት ዝገለፂ እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር፥ ዓበይቲ ዓዲ መዓልቲ እቲ በዓል ዝውስኑዎ ሥርዓተ ዑደት መሬትን፣ የፀሐይን፣ ወርሒን ከዋኽብቲን ብምዕዛብን ምውዳድ ናይ እዞም ኣካላት ብምፅናዕን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ በዓል ብዋንኡ ተኻፊልካ ምንባር፣ ሰናይ ምምሕዳር ንኸዓስል፣ ማሕበራዊ ምትሕብባር ንኽህሉ፣ ሓቢርካ ብሰላም ምንባርን ምስካልኦት ምትእስሳርን ዘበረታትዕ ከምዝኾነ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ናይዚ ዓመት በዓል ፊቼ ጨምበላላ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ብድሙቕ ኩነታት ብጉዱማሌ ህዝቢ ኣብዝተኣከበሉ ንምኽባር ከምዘይከኣል ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ ዓለም ዘለትሉ ኩነታት ብምርዳእ እቲ በዓል ኣብ ገዛ ንኽኽበር ዘመሓላለፉዎ እዋናዊ መልእኽቲ ንድሕንነት ሃገሮምን ህዝቦምን ሓላፍነት ዝስመዖም ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ብምባል ናእደኦም ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “በዓል ጨማበላላ ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ ዘመሓላለፉዎም መምርሒታት ብምኽባር፣ ኩልና ኣብ ገዛና ብምዃን፣ ኣእዳውና ብማይን ሳሙናን እናተሓፀብና፣ ርሕቐትና ብምሕላውን ንኻልኦት ብምሕጋዝን ክነኽብሮ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲበቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment