ቀ/ሚ ኣቢይ ብኢንተርኔት ተደጊፉ ዝተሳለጠ ጉባኤ ቻይና – ኣፍሪካ ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብኢንተርኔት ተደጊፉ ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ ቻይና – ኣፍሪካ ተሳቲፎም።

እቲ ጉባኤ፥ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ብሓድነት ጠጠው ምባል ዘለዎ ኣድላይነት ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካን ቻይናን ዝተርኣየ ሓድነት ርኡይ እሴት ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን ፎረም ምትሕብባር ቻይና – ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ዢ ጂንፒንግ ዘልዐሉዎም ሸሞንተ ዓበይቲ ምንቅስቓት ዘዘኻኸሩ ዶክተር ኣቢይ፥ ንግልጋሎት ጥዕና ቅድሚያ ትኹረት ንኽወሃብ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብኣካቢነት ፕሬዚዳንት ዢ ጂንፒንግ ዝተሳለጠ እቲ ጉባኤ፥ ብቻይና፣ ኣካቢት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሮካን ኣከብቲ ፎረም ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ሓንቲ ዝኾነት ሴኔጋልን ፍልፍል ሓሳብ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምኡ እውን ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment