ቀ/ሚ ኣቢይ ብሕልፈት እንግሊዛዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብሕልፈት እንግሊዛዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ፥ ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞ ከምዝተፈለያ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ “ብሽም መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ዝተሰመዐኒ ሓዘን ንቤተሰብ ንጉሳውያን፣ ንመንግስቲን ህዝቢን ብሪታኒያ ክገልፅ ይፈቱ” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment