ቀ/ሚ ኣቢይ በዓል ዳሜራ መስቀል ምኽያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ዳሜራ መስቀል ምኽያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል መስቀል ምልክት ፈተናን ዓወትን ኢዩ ኢሎም።

ንግስት ኢሌኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ንምእላሽ እንትትለዓል፤ መበዛሕተኦም ኣበይ ከምዝተቐበረ ከምዘይፍለጥ፣ ካብ ዝቕበር ብዙሕ ዘበናት ከምዘቑፀረ፣ ንምውፃእ ኣፀጋሚ ከምዝኾነን ኩሉ ኩነታት ተስፋ ዘቑርፅን ፈታኒን ከምዝኾነ ይነግሩዋ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር፥ ንሳግ ግን ከምዝተቐበረ ጥራሕ ዘይኮነስ ክተውፀኦ ከምትኽእል ተኣምን ከምዝነበረት፣ ከምዝጠፍአ ጥራሕ ዘይኮነስ ክርከብ ከምዝኽእል ተኣምን ከምዝነበረት ኣብሪሆም።

ንሳቶም ብዛዕባ ፈተና እንትነግሩዋ፤ ንሳ ግን ድሕሪ ፈተና ዘሎ ዓወት ትዛረብ ከምዝነበረት ገሊፆም።

“መስቀል ብኣመንቲ ክርስትና ምልክት እምነት፣ ሓይሊን ቤዛን ተገይሩ ይውሰድ” ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ “ምፅዕናዕን ምድሓን ዝረኽቡሉ ዓቢዪ ህያቦም ኢዩ” ኢሎም።

ጉዕዞ ብልፅግና ንኢትዮጵያውያን ኣዚዩ ወሳኒን ክቡር ህያብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ንዘበናት ብድኽነትን ድሕረትን፣ ጥሜትን ሕማምን፣ ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ፀገማት ሕቖኣ ዝጎበጠት ኢትዮጵያ፥ ሸኽማ ዘቃልሉላ፣ ብሩህ ፅባሓ ንኽትርኢ ዘቕንዑዋ፣ ንኽብራን ዝናኣን ናብ ዝምጥን ብርኪ ምዕባለ ዘብፅሑዋ ደቃ ትደሊ ኣላ” ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን፥ መከረኦም ካብ ዘጋድዱን ፈተነኦም ጥራሕ ካብ ዝነግሩ ዕንቅፋታት ከምልጡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ድሕሪ ፈተና ከም ወርቂ ተፈቲኑ ዝወፅ ዓወት ከምዘሎ ዘይምርሳዕ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

“ሃገራዊ ሓድነትናን ምትሕብባርናን ዝጠናኸረሉ በዓል መስቀል እንትነኽብር፤ ካብ ምብላዕ ምስታይ ሓሊፉ ቁምነገር ንሰርሐሉ ክኽውን ይግባእ” ክብሉ እውን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ኣብ ፀገም ዝወደቑ ወገናት፣ ብሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክዝከሩ ይግባእ ኢሎም።

ስለዚህ ከበዓሉ ጎን ለጎን የተቸገሩትን ከጎናችሁ አለን ልንላቸው፣ የድጋፍ እጃችንን ልንዘረጋላቸው ከእያንዳንዳችን ይጠበቃል።

ስለዝኾነ ድማ ጎድና ጎድኒ እቲ በዓል ዝተፀገሙ ወገናት ኣለናልኩም ክበሃሉ ከምዝግባእን ሓገዝ ኩሉ ሕብረተሰብ ከምዘድሊን ኣገንዚቦም።

ካብ እዋን ናብ እዋን እናተስፋሕፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከም ሃገር እናስዓቦ ዝርከብ ጉድኣት ንምንካይ ዝከኣል ኣስተዋፅኦ ምብርካት ከምዝግባእ እውን ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment