ቀ/ሚ ኣቢይ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍልላይን ምክፍፋልን ዝጠፍአሉ፤ ሰብን እግዚኣብሄርን፣ ሰማይን ምድሪን፣ ሰብን መላእኽቲን ሓደ ዝኾኑሉ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ተኸተልቲ እምነት ክርስትና በዓል ልደት ምክፍፋልን ምፍልላይን ብምጥፋእ ከኽብሩዎ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

“ንወዲ ሰብ ተፈጥሮኣዊ ነገራት ኣይፈላልዩዎን ተፈጥሮኣ ኣፈላላያት ንደቂ ሰባት ዝተውሃቡ ገይፂታት ስለዝኾኑ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣፈላላይ ፆታ፣ ቀለም፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ ኣተሓሳስባ፣ ኣመለኻኽታን መደነቕቲ ጥበባት ፈጣሪ ዝምስክሩ ምዃኖም ገሊፆም።

በዓል ልደት ነዚ ጥበብ ፈጣሪ ንዝክረሉ ዕለት ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ “በዓል ልደት ሰብን ኣምላኽን፣ ሰብን እንስሳትን፣ ጓሳን ንጉስን፣ ደቂ ኣነስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ህፃናትን ሽማግለታትን ኣብ ሓደ ደምበ ዝተራኸቡሉ ዕለት ኢዩ” ኢሎም።

እዚኣቶም ኩሎም ኣብ ሓደ ደምበ ዝተራኸቡ ድማ ሰላም፣ ይቕሬታን ፍቕሪን መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ፥ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ሰባት፣ ኣተሓሳስባታት፣ እምነት፣ ባህሊ፣ ቋንቋን ፍልጠትን ንዝበለፀ ክብሪ ክብሉ ዝተኣኻኸቡላ ናይ ክብሪ ደምበኦም ምዃና ድማ ኣብቲ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያውያን፥ ካብ ፈላለይቲ ኣተሓሳስባታት ብምርሓቕ፣ ብህብረ ብሄራዊነት ዝረኸቡዎም ፀጋታት ብመሓዝን ሓድነቶም ብምፅናዕን ንትውልዲ ዝተርፍ ታሪኽ ክሰርሑ ከምዝኽእሉ እውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ መወዳእታ፥ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ርሑስ በዓል ልደት ንኽኾነሎም ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment