ቀ/ሚ ኣቢይ ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶት ፕጀክታት ልምዓት ኮይሻ፣ ወንጪን ጎርጎራን ብዝምልከት ምስ ኮሚቴ መተሓባበሪ መኣዲ ንሃገር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምንቅስቓስ ምትእኽኻብ እቶት ፕጀክታት ልምዓት ኮይሻ፣ ወንጪን ጎርጎራን ብዝምልከት ምስ ኮሚቴ መተሓባበሪ መኣዲ ንሃገር ተዛቲዮም።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ነዚ ተግባር እናለገሱ ከምዝኾኑ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝተልዓለ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብና ሓሬታ የረድእ።

ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ እትዮጵያውያንን ሓገዞም ናብ ሒሳብ ባንኪ ሸርፊ ወፃኢ ከእትዉ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣቐዲሙ ብማሕበረሰብ ንግዲ ዝተኣተወ ቃል ሓዊሱ፤ ኣብ ቀፃሊ ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ምትእኽኻብ እቶት ተፀናኺሮም ቀፂሎም ዝተሓሰበ ብር 3 ቢሊየን ሓገዝ ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment