ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ተዛቲዮም።

ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፥ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ድሕሪ እዚ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምዎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክብ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ዲፕሎማሲያዊ ርክቦምን ምጥንኻር ኣብ ዝከእሉሉ ጉዳያት ምዝታም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment