ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ጁንታ ህወሓት ካብዚ ዝኸፍአ ጥፍኣት ቅድሚ ምብፅሑ ብህፁፅ ናብ ፍርዲ ንኽቐርብን ህዝቢ እታ ከተማ ከይጉዳእን ኣብ ዝግበር ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ከባቢ ከተማታት ልዑል ጥንቃቐ ንኽግበር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብምኅንያት እቲ ጁንታ ዝቕስቀሱ ጎንፂታት ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ንምላስን ንምሕዝን ብሰራዊት ምክልኻል ኣቢሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ተዘቲዩሉ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንትዛዘም ክልል ትግራይ መሊስካ እግሪ ክተክል ንምግባር ዝተዳለወ ትልሚ ብዝርዝር ቀሪቡ ከምዝተዘተየሉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment