ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ክልተኣዊ ዛዕባታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ሃገራት ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝወስደኦ ፅቡቕ ተሞክሮ ብዝምልከት ምዝታዮም ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ህንዲን ዘሎ ክልተኣዊ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment