ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ሶሪያ ስደተኛራት ብምዃን  መኣዲ ኢፍጣር ረመዳን ተኻፊሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ሶሪያ ስደተኛራት ብምዃን  መኣዲ ኢፍጣር ረመዳን ተኻፊሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ኣጋጣሚ “ገና ኣብ መዓልታት መኣዲ ኢስላም ኣቦታትና ናይ ነብዩ ሙሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ናይ ቀረባ ኣዝማድን ሶሃቦትን ተቐቢሎም ዘተኣናገድሉ ዓብዪ ታሪክ ዘዘኻኽር ኢዩ” ክብሉ ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

በዚ ፅቡቕ ታሪክና እንትንኮርዕ፥ መናእሰይ ድማ ንዝተፀገሙ፣ ንዝተሰደዱን ኣብ ጎዳና ንዝወደቑን ኣሕዋትናን ኣሕትናን ትኹረት ክህቡ ይግባእ ኢሎም።

ንቕፃሊ እውን ምስ ሙስሊም ሃገራትን ህዝብታትን ብፍቕሪ፣ ሰላምን ሓድነትን ንምንባር ዘለና ባህጊ ዘጠንክር ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment