ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ቫይረስ ኮሮና ምዕጋት ምቁፅፃርን ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ምዝታዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኢኮኖሚ ኣፍካ እናተዳኸመ ብምዃኑ፥ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ብዝምልከት እውን ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ብመንፅር እዚ ድማ ቫይረስ ኮሮና ከስዕቦ ዝኽእል ዝኸፍአ ጉድኣት ንምንካይ ዘኽእል ናይ ሓባር ኣመራርሓ ምትግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ተዛቲዮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment