ቀ/ሚ ኣቢይ መበል 53 ጉባኤ ሚኒስትራት ልምዓት ገንዘብ፣ ትልሚን ኢኮኖሚን ተሳቲፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 53 ጉባኤ ሚኒስትራት ልምዓት ገንዘብ፣ ትልሚን ኢኮኖሚን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ተሳቲፎም።

ዶክተር ኣቢይ መደረ ዘስምዑ እንትኾኑ፥ ዓለምና እናተቓለሰቶም ካብ ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ቅልውላዋት ተተሓሒዞም፣ ፈጠራ ዝተሓወሶም ምላሻት ኣድለይቲ ምዃኖም እዋናዊነት እቲ ዛዕባ ከምዘርኢ ገሊፆም፡፡

ኣፍሪካ ኣብ ከይዲ ምቅላስ ኮቪድ19 ናይ ምፅዋር ክእለታ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ መፍትሒታት ንምሕንፃፅን ተግባራዊ ንምግባር ዘርአየቶ ዓቕሚን ምድላውን ንኢዶም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቀፀልቲ ኣንፈታት ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ትካላዊ ማዕቐፋትን ንምትግባር ብዝምቹ መገዲ ክበቅዕ ምግባር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment