ቀ/ሚ ኣቢይ ሃገር ለኸ ምርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ዓሸራ ኣብ ሃዋሳ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሃገር ለኸ ወፍሪ ምርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ዓሸራ ኣብ ሃዋሳ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ብሓባር ብምዃን ኢዮም ኣብ እምባ ታቦር እቲ ወፍሪ ዘጀመሩዎ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዕቤትና ኣይግታእን ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሸራ ብብርኪ ሃገር 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment