ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንክዛዘሙ ዘኽእል ምምሕያሽ ምምሕዳር ፕሮጀክት ንክግበር መምርሒ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ብቕልጡፍ ንክዛዘሙ ዘኽእል ምምሕያሽ ምምሕዳር ፕሮጀክት ንክግበር መምርሒ ከምዝሃቡ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ መኸንበቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝነበረና ፃንሒት ብምምልስ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራል ገምጋም ስራሕ ኣካይድና ኢሎም።

እቲ ገምጋም፥ ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ፕሮጀክት ሓፅቢ መገጭ ምዝዛም፣ ቀረብ ማይ ከተማ ጎንደር ምምሕያሽን 11 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣዘዞ ጎንደር ምዝዛምን ኣብ ዝብሉ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ሰለስቲኦም ፕሮጀክትታት ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ስራሕቶም ብቕልጡፍ ንክዛዘም ዘኽእል ምምሕያሽ ምምሕዳር ፕሮጀክት ንክግበር ሎሚ ንጎሆ መምርሒ ከምዝሃቡ ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment