ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ሶማሊያ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ስዒቡ ብዝጠፍአ ህይወት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወሰን ባሕሪ ሶማሊያ፣ ሞቓድሾ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ስዒቡ ብዝጠፍአ ህይወት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በቲ መጥቃዕቲ ብዝጠፍአ ህይወትን ዝበፅሐ መጉዳእቲን ኣዝየ ሓዚነ ኢሎም።

ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ሓሳብናን ፀሎትናን መስ ግዳያት፣ ስድራን ህዝቢ ሶማሊያን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ወሰን ባሕሪ ሶማሊያ፣ ሞቓድሾ ትማሊ ኣማሲዩ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ 32 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ ካልኦት 63 ድማ ጉድኣት ምግጣሞም ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment