ቀ/ሚ ኣቢይን ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ኣብ ኢትዮ ኢንጅነሪንግ ዑድት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስት ዶክተር ኣቢይ ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስን ኣፈወርቂን ውዳብኡ ኣብ ዘመሓየሸ ግሩፕ ኢትዮ ኢንጅነሪንግ ዑድት ገይሮም።

ግሩፕ ኢትዮ ኢንጅነሪንግ ዘርአዮ ለውጢ ዝድነቕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ጨንፈር ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኮይኖም ዑደት ከምዝገበሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ጨንፈር፥ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንንግዲን ዝኾና ተሸከርከርቲ ዝገጣጠማሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ እቶም መራሕቲ ኣብ ሓሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተረኺቦምዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ዓቕሚ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ድልዉነትን እቲ ሓይሊ ከምዝተዓዘቡ ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክልል ኣየር ሃገሩ ብምሕላው፣ ሃንደበታዊን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት እንተጋጥሙ ምስ እግረኛ ጦር ተሓባቢሩ ብምስራሕ ብሄራዊ ኩርዓቱ እናመስከረ ክዝርከብ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዑደት፥ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ፣ ርእሰ ምምሕዳር ልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment