ቀ/ሚ ኣቢይን ሕብረተሰብ ደም ብምልጋስ ህይወት ንኸድሕን ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሕብረተሰብ ደም ብምልጋስ ህይወት ደቂ ሰባት ንኸድሕን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን፥ ሚኒስቴር ጥዕናን ብሄራዊ ኣገልግሎት ባንኪ ደም ኢትዮጵያን ዘቕረቡዎ ፃውዒት ብምቕባል ልገሳ ደም ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ልገሳ፥ ብሓባር ብምዃን ንኩሎም ማሕለኻታት ምስዓር ክዝከኣል ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዘስዓቦ ቅልውላው ብተወሳኺ ደም ዘድሊዮምን ዝተፈላለየ ፀገም ጥዕና ዘለዎምን ወገናት ከምዘለዉ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ ደም ንኽልግስ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment