ቀ/ሚ ኣቢይን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃንን ዱከም ኣብ ዝርከብ ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ኣካቢ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃንን ዱከም ኣብ ዝርከብ ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደቶም ድማ ፋብሪካ ፋርማሲቲዩካል ሰን ሸንግ ዘፍርዮም ኣፋውስ ሕክምናን ኦክስጂንን ዝርከቡሉ ከይዲ ተዓዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃንን ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ዑደት ካብ ዝገበሩሉ ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ብተወሳኺ፥ ኣብ ጥቓ ቢሾፍቱ ዝርከብ ጆይቲክ ዝተብሃለ ማእኸል ዘበናዊ ሕርሻ እውን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

እቲ ማእኸል ብሰብ ሃፍቲ እስራኤላውያን እናለምዐ ዝርከብ እንትኸውን፥ ኣብ ንኡሽተይ ቦታ ኣትክልቲን ፍረምረን ብዘበናዊ መገዲ ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዘቕርብ ኢዩ።

እቲ ዘበናዊ ማእኸል ሕርሻ፥ ፈልሲታት ፍረምረ ንዕዳጋ ዓለም ዘቕርብ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ዕላዊ ዑደት ንምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሌተናል ጄነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብምዃን ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment