አዲስ አበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ናብ ህንዲ ክገብሩዎ ዝሓሰቡዎ ዑደት ከምዝሰረዙ ተገሊፁ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክገብሩዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ጉዕዞ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19 ኢዮም እቲ ዑደት ሰሪዞም ተባሂሉ።
ስለዝኾነ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ናይ ስልኪ ዘተ ከምዝገብሩ ተሓቢሩ።
“ቀደማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ህንዲ ዘሎ ምፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣዚዩ ዘስግእ ስለዝኾነ እቲ ክገብሩዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ጉዕዞ ንምስራዝ ተገዲዶም ኣለዉ” ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣኒያ ገሊፁ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝገብሩዎ ዘተ ስልኪ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕነት ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።
ፍልፍል፦ bernama.com
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision