ቀ/ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንሓዱሽ ዓመት ቻይና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም  ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዱሽ ዓመት ቻይና ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ንህዝቢ ቻይናን መንግስቲን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ብሰላም ኣብፀሐኩም ክብሉ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ብማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣመሓላሊፎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት ቻይና ብዝተፈላለዩ ፅብላት እናተኽበረ ይርከብ፡፡

ብተመሳሳሊ ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን መልአኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ ንመላእ ህዝቢ ቻይና እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ሓጎስን ብልፅግናን ይኹነልኩም ክብሉ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም  ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ እዚ ሓዱሽ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ቻይናን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ሕወነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ከምዝጥቀመሉ ምሉእ እምነት ኣለኒ፤ ኣብ መንጎ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ጥንካረን ቖራፅነትን ብዝበለፀ ብጋህዲ ዝርኣየሉ ንክኸውን እምነት ኣለኒ ኢሎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment