ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዳግም ንምንቕቓሕ እዋኑ ዝጠልቦ ሓሳብ ምስራፅ ከምዝግባእ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓን ኣፍሪካኒዝም ዳግም ንምንቕቓሕ እዋኑ ዝጠልቦ ሓሳብ ምስራፅ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ፥ “ንተለዋዋጢ ዓለም ፓን ኣፍሪካኒዝም መሊስካ ንምንቕቓሕ” ብዝብል ርእሲ ቀዳማይ ፎረም ፓን ኣፍሪካኒዝም የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ ፎረም መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ”ኣብ ጉዳይ ፓን ኣፍሪካ ኣተኲሮ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ እኹላት ኣይኮኑን፤ ከም ኣህጉር ፓን አፍሪካኒዝም ኣብ ምንቕቓሕ ቅልጡፍ ለውጢ ምምፃእ ይግባእ” ክብሉ ኣመልኪቶም።

ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝፀብፀቦ፥ ፎረም ፓን ኣፍሪካኒዝም ሓሳባት ፓን ኣፍሪካኒዝም ብምድንፋዕ ኣፍሪካ ብኹለ መዳይ ስርዓት ጠጠው ንኽትብል ልዑል ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ተዛሪቦም።

እቲ ኣካዳሚ ምኽረ ሓሳባት ፖሊሲን ምርምርን ንምቕራብ፣ ብቑዓት ኣመራርሓ ንምፍራይ ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ከምዝኾን እዚ ዕላማ ንምዕዋት እናሰርሐ ክዝርከብን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment