ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ዳሜራ ምልክት ምልዋጥ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንመስቀሊ ገበነኛታት ይውዕል ዝነበረ መስቀል ዋጋን ምልክቱን ዝተለወጠሉ ኢዩ፡፡

“ዳሜራ፥ ብዙሓት ሰባት ኣኪቡ በሕብረት ዘቕውም፣ ኣብ ዝነኣሰ ምውሳኽ፣ ዝተበተነ ምእካብ፣ ዝተዘርዘረ ነገር ዝድምርን ዘራኽብ ኢዩ ኢሎም።

መስቀል፥ ሽግ ሓዱሽ ዘበን ብሓዱሽ ብሩህ ዘበን ዝጅመረሉ፣ ሓዱሽ ተስፋ ሰባት ከምብሓዱሽ ዝጅመረሉ፣ ዒፍ መስቀል ትእሰረሉን ዝራእቲ ዝሽውቱሉን እዋን ከምውኾነ እውን ገሊፆም፡፡

“ዳሜራ፥ ንድሮ በዓለ መስቀል ዕንጨይቲታት ዝድመሩሉ፣ ዕንጨይቲ ተኣኪቦም ሽግ፤ ሽጋት ተኣኪቦም ዳሜራ ዝኾኑሉ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፥ ሽጋት፣ ዕንጨይቲታትን ጭራሮታትን እንተበዝሑ ናብ ሓደ እንተወይመፂኦም ዳሜራ ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ብምሕባር፤ እዞም ሽጋትን ጭራሮታትን ጠርኒፉ ዳሜራ ክኾኑ ዝገብር ጥንኩር ዕንጨይቲ ከምዘሎን እዚ

ዓንዲ ንኢትዮጵያ ከምዝውክልን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ከም ሽግ ብዙሓት ባህሊታት፣ እምነታት፣ ሃፍቲታት፣ ክብሪታት፣ ኣመለኻኽታታትን ታሪኻትን ዘለዉዋ ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “እዞም ፀጋታት እንተደሚርናዮም፣ መጀመርታ ከም ሽግ ከባቢያዊ ዓቕሚ ይኾኑና ቀፂሎም ድማ ከም ዳሜራ አኣተኣሳሲርና ኣብ ሓደ ዓምዲ እንተቑምናዮም ዓባይ ሃገር ክንሃንፅ ኢና” ኢሎም፡፡

“በዓል ዳሜራ እዚ ዓመት እዞም ዓበይቲ ሓሳባት ዳሜራ መስቀል እናስተንተንና ከምነኽብሮ ተስፋ ይገብር፤ ርሑስ በዓል ዳሜራን መስቀልን ንኹልና ይኹን” ብምባል መልእቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment