ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብተኣማንነት ብሄራዊ ግቡኦም ንዝተዋፅኡ ከፈልቲ ግብሪ ኣፍልጦ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብተኣማንነት ብሄራዊ ግቡኦም ንዝተዋፅኡ ከፈልቲ ግብሪ ሸሊሞም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ መርሃ ግብሪ ምሃብ ኣፍልጦ ከፈልቲ ግብሪ በጀት ዓመት 2015 ብምርካብ ኢዮም ብእምነት ብሄራዊ ግቡኦም ንዝተዋፅኡ ከፈልቲ ግብሪ ኣፍልጦ ዝሃቡ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ናይ ውልቀ ክፍለ ኢኮኖሚ መሰረት እቶት ማሕበረሰብ ዘዕብዩ ስራሕቲ ንኽድግፉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሌብነትን፣ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋውነት ምውጋድ፣ ስርዓትን ተኣማንነትን ምክታት ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ ስርዓትን ኣሰራርሓን ኣከፋፍላ ግብሪ ምዝማን ኣንተድሊ፣ ዘፈር ውልቀ ጎና ጎድኒ ብቴክኖሎጂ ክዝምን ከምዘለዎ ኣፅንዖት ሂቦም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓሚቕ ትልሚ እቶት 450 ቢሊየን ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣፈፃፅምኡ ድማ 442 ቢሊየን ብምዃን ተዛዚሙ።

ካብ ሞንጎ እዚ ኣብቲ ጀት ዓመት ካብ ግብሪ ውሽጢ ሃገር ዝተኣከበ 264 ነጥቢ 35 ቢሊየን ብር ኢዩ።

ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት መርሃ ግብሪ÷ ብሓፈሻ 500 ግብሪ ከፈልቲ ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment