ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኤግዚቢሽን ሕርሻ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብሚኒስቴር ሕርሻ ዝተዳለወ ኤግዚቢሽን ሕርሻ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ መሪቆም ከፊቶም፡፡

እቲ ኤግዚቢሽን÷ መፍርያይነት ቴክኖሎጂ፣ ስራሕቲ ምርምርን ምህዞን፣ ኣብ  ዲጂታላይዜሽን ሕርሻን ፋይናንስ ሕርሻን ዘድሀቡ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ንምርኢት ዝቐርቡሉ እዩ፡፡

ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኢትዮ ቴሌኮምን ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ”ካብ ቤተ ፈተነ ናብ ኣዝመራ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ኤግዚቢሽን÷ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ 70 ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ፍርያቶምን ናይ ሕርሻ ቴክኖሎጂታቶምን ንምርኢት ኣቕሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ኢሉ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ሕርሻን ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሕርሻን ኣብ ዝተረኸብሉ ፓናል ዘተ ዓውደ ምርኢት ክካየድ እዩ፡፡

እቲ ኤግዚቢሽን÷ ካብ 30 ሚያዝያ ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ንህዝቢ ክፍቲ ከምዝኸውን እውን ተገሊፁ፡፡

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህን ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ተረኺቦም፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ፣ ቃልኣብ ግርማን ሰሎሞን ይታየውን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment