ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኪን ጋንግ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም÷ “ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ኪን ጋንግ እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም መፅኡ” ኢሎም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራ ሕዚ እውን ፀኒዑ ከምዝቐፀለ እውን ገሊፆም።

“እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ልዝብና ድማ ነዚን ብልምዓት ንካፈሎ ስልታዊ ሓበራዊ ዕላማን ከምኡ እውን ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ምትሕብባር ኣጉሊሁ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብምዃንዝተሾሙ ቺን ጋንግ÷ ኣብ ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ዑደት ሎሚ መዓልቲ ብኢትዮጵያ ጀሚሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment