ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልክእኽቶም÷ በዓል ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝኽበር በዓል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕትና ዝመሃሩሉ፣ ብእግዚኣብሄር ከምዝኣምኑ ዝእውጁሉ፣ ንሰሃን ድሕነትን ዝረኽቡሉ ምልክት ኮይኑ ዘገልግል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ብኻሊእ መዳይ በዓል ጥምቀት ከም ሃገር መልክዕ ክብረ በዓል ብዙሓት ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ሕብሪ ፈጢርና ንደምቀሉ ዕለት ብምዃኑ ዓብዩ ቦታ ሂብና ነኽብሮ በዓል ኢዩ” ኢሎም።

በዓል ጥምቀትን ትሕትናን ተፈላሊዮም ዘይረኣዩ ከምዘይኮኑ ዝሓሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ምኽንያቱ ድማ ፈጣሪ ብፍጡር፣ ኣምላኽ ብሰብ፣ ጎይታ ብኣገልጋሊኡ ዝተጠመቐሉ ዕለት ስለዝኾነ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሰባት ኣብ ላዕሊ ከምዝኾኑ እንትመስሎም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዘይሪኡን ዝገዘፉ እንትመስሎምን ብቕንዕና ድንን ዘይብሉ እንተኾይኖም ትርጉም ጥምቀት ኣይተረደኦምን ዝበሉ እቶም ቀዳማ ሚኒትር÷ “ትሕትናን ንዒቖም ትዕቢት ዝመረፁ፣ ትሕት ምባል ከቢዱዎም ንባዕሎም ክብ ዘበሉ ቅንዕና ፀሊኦም ግፍዒ ምስራሕ ዝፈትዉ መወዳእተኦም ዕቤት ዘይኮነስ ቁልቁለት፣ ክብሪ ዘይኮነስ ውርደት ከምዝኾነ ዓለም ኣርኢያትና ኢያ፤ ንሕና እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከይገጥመና ኩልና ትሕትናን ሰናይ ተግባርን ገንዘብና ክንገብር ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦምም።

ኣቦ ሓጎታትና ዋጋ ከፊሎም ብምሕላፎም ሎሚ ንኾርዐሎም ሃገራዊ ክብሪታት ክንረክብ ብከምዝኸኣልና÷ ንሕና እውን ንወለዶ ዝተርፍ ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ይግባእ እውን ኢሎም።

በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ክብረ በዓል ሓሊፉ ባህላዊ ክብሪታት ዝተኣናገዱሉ በዓል ከምዝኾነን ናይ ኣደባባይ ባህሊ ሙዚየም ከምዝኾነን እውን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልክእኽቶም÷ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ሰናይ በዓል ከተራን ጥምቀትን ክኸውን ተመኒዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment