ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሺ ጂን ፒንግ ንሳልሳይ ግዘ ፕሬዚዳንት ቻይና ብምዃንብምምራፆም ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም÷ “ሺ ጂን ፒንግ ዳግም ፕሬዚዳንት ቻይና ብምዃን ብምምራፆም ብሽመይ፣ ብሽም ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ እንኳዕ ኣሕጎሶም” ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ምስ ቻይና ዘለዋ ኩለመዳይ፣ ስተራቴጂክ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡
ሎሚ ዕለት ብሙሉእ ድምፂ ዝተመረፁ፥ ካብ ትማሊ ጀሚሩ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 14 ብሄራዊ ህዝባዊ ሸንጎ ንሺ ጂንፒንግ ፕሬዚዳንት ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ገይሩ ምምራፁ ይፍለጥ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube