ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ መዓልቲ ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መዓልቲ ሓርበኛታት (በዓል ዓወት) ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቀፂሉ ቀሪቡ ኣሎ፦

እንኳዕ ንመዓልቲ ሓርበኛታት (በዓል ዓወት) ኣብፀሐኩም።

ኢትዮጵያ መዓልቲ ናፅነት ዘይኮነስ መዓልቲ ዓወት ዘለዋ ሃገር ኢያ። ናፅነቶም ብምንም ነገር ንምልዋጥ ፍቓደኛ ዘይኮኑ ኣቦታትናን እኖታትናን ንናፅነት ክብሉ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም።

ኣቦታትናን እኖታትናን ህይወት ከፊሎም ዘፅንሑልና ናፅነት በይኑ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን። ብኻልኦት ናፅነታት ክድገፍ ኣለለዎ። ሃፍቲ፣ ሕብረትን አገልጋላይነትን ክድግፉዎ ይግባእ።

ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ በርቲዕና ሃገራዊ ሃፍቲ እንተዘይፈጢርናን ካብ ርዳእታ እንተዘይተናጊፍናን፥ ናፅነት በይኑ ርሑቕ ኣይወስደናን። ኩሩዕ ድኻ ይገብረና እምበር። ሕብረት ፈጢርና ምፍልላይን ምክፍፋልን እንተዘይ ስዒርና፤ ናፅነት በይኑ ሓይሊ ኣይኾነናን። ብሕብረት ዝረኸብናዮ ናፅነት ብፍቓድና ብምፍልላይ ስለንስእኖ።

ሃገርን ህዝቢን ብቕንዕና፣ ብትግሃትን ብንፅህናን ንምግልጋል እንተዘይወሲንና ናፅነት በይኑ ዕብየት ኣየምፅእን። ግዕዝይና፣ ድሑር ኣሰራርሓን ስንፍናን ንድሕሪት ስለዝጎትቱና።

መዓልቲ ዓወትና እንትነኽብር፥ ድሕሪ ዓወት ሓርበኛታትና ዘመዝገብናዮም ዓወታት ብምቑፃር ክኸውን ኣለዎ። ዓወት ዘይወልድ ዓወት፤ ዓወት ኣይበሃልን።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፍራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

27 ሚያዚያ፣ 2015 ዓ.ም

#Ethiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment