ቀፃሊ ሽቶና ዘላቒ ሰላምን ብምርግጋፅ ኩለመዳይ ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ክኸውን ይግባእ – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀፃሊ ሽቶና ዘላቒ ሰላምን ብምርግጋፅ ኩለመዳይ ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ዝተፈላለዩ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብምትኳር ምስ ዝተፈላለዩ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ልዝብ ኣካይዱ።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዝተመሓላለፉ ኣፈላላያት ዝተፈጠሩ ምቅሕሓራት ምውጋድ፤ ንዘበናት ካብ ዝፀንሐ ፀገም ብምውፃእ ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም፡፡

ከም ሃገር ዘይሻራዊ ዝኾነ ትካል ብምጥያሽን ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘካተተ ብሄራዊ ልዝብ ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ኢዮም እቶም ተሳተፍቲ ዝሓበሩ፡፡

ከም ከተማ ኢሉ እውን ከም ሃገር ቀፀልቲ ሽቶታትና ተገዲድና ዝኣተናዮ ኲናት ብዓወት ብምዝዛም ሙሉእ ትኹረትና ኣብ ኩለመዳይ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ በቲ ወራሪ ጉጅለ ንፀገም ዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ ምጥያሽ ጎና ጎድኒ ዝዓነዉ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን ንምህናፅ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ ቃል ኣቲዮም።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን፥ ተገዲድና ዝኣተናዮ ኲናት ብዝተሓባበረ ቅልፅ ብዓወት ብምዝዛም በቲ ኲናት ተጎዳእቲ ዝኾኑ ኣካላት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ ምስላጥ ይግባእ ምባለን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment