ቀፃሊ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ዝበለፀን ጥንኩርን ኮይኑ ከምዝቕፅል ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀፃሊ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ዝበለፀ ጥንኩርን ኩለመዳያዊን ኮይኑ ከምዝቕፅል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ፕሬዝዳንት ዩን ሱክ ይኦል ንዝገበሩልና ኣቀባብላ የመስግን” ኢሎም።

“ምትእስሳር ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ልዕሊ ስሳ ዓመታት ዘቑፀረ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ “መፃኢ ግዘ ርክበን እውን ዝበለፀ ጥንኩርን ኩለመዳይን ኮይኑ ከምዝቕፅል እምነተይ ፅኑዕ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment