ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅና ፍፁም ናፃን ኣሳታፊን ነይሩ – ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅና ፍፁም ናፃን ኣሳታፊን ብምዃን ንዴሞክራሲያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ መሰረት ዘንበረ ከምዝኾነ ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ገሊፆም።

ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ሳልሳይ መዓልቱ እንትኸውን፥ እቲ ጉባኤ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሉኡ መተሓዳደሪ ደምቢን ፕሮግራምን እቲ ፓርቲ ከምኡ እውን ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንታትን እቲ ፓርቲ መሪፁ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ፀብፃብ ኢንስፔክሽንን ቁፅፅርን ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ኣድሚፁ ኣፅዲቑ፡፡

ተሳተፍቲ ጉባኤ፥ ኣብቶም ከይዲታት ፍፁም ሰላማዊን ዴሞክራሲዊን ብዝኾነ መገዲ ሓሳቦም ብምግላፅ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝኾኑ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ካብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣባላት ከም ዘበን እህወዴግ ናይ ወሰን ተዓዘብቲ እንተይኮኑ ማዕረ ተሳተፍቲን ግደ መሪሕነትን እናተፃወቱ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment