ቀዳማይ ዙር ምስፍሕፋሕ ተርሚናል ኮንቴይነር ወደብ በርበራ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር ምስፍሕፋሕ ተርሚናል ኮንቴይነር ወደብ በርበራ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ።

ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ፣ ላዕለዎት ልኡኻት ፌዴሪኢን ዳይሬክተር ዲፒ ወርልድ ሱልጣን ቢን ሱሌማንን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ ቀዳማይ ዙር ስራሕ ምስፍሕፋሕ ተርሚናል ኮንቴይነር ወደብ በርበራ ተመሪቑ ስራሕ ጀሚሩ ዘሎ፡፡

51 ሚኢታዊ ብዲፒ ወርልድ፣ 30 ሚኢታዊ ብሶማሊ ላንድ ከምኡ እውን 19 ሚኢታዊ ብኢትዮጵያ ሼር ዝተትሓዘ ኮሪደር ተርሚናል በርበራ፥ 500 ሺሕ ኮንቴነራት ክሕዝ ዝኽእል ተርሚናል ከምዝኾነን ኣብ ዓመት 1 ሚሊየን ኮንቴነራት ከተኣናግድ ከምዝኽእልን ተገሊፁ።

እቲ ወደብ ዘበናዊ ክሬናት ዝተገጠመሉ እንትኸውን፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዓበይቲ መራኽብ ብምትእንጋድ ነቲ ዞባ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ዓቢዪ ረብሓ ከምዘለዎ ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ሱማሊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment