ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምዝተዛዘመ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣባላት መራሕቲ ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዘሳለጡዎ ዘተ ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ መግለፂ ከምዝሓበሮ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ዝናብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ንምምላእ ምቹው ከምዝገበሮ ኣገንዚቡ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ዘተ፥ ሚዛናዊን ንኹሉ ዘዕውትን ንኽኸውን ብወገን ኢትዮጵያ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንሰለስቲአን ሃገራት ጠቓሚ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኢዩ ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ዝናብ ኣብ ዝበዝሐሉ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ምምእ ማይ እቲ ግድብ ምዝዛም ምኽኣል መረጋገፂ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ኣኼባ ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕዚዳናት ደቡብ ኣፍሪካን ኢዮም መሪሖምዎ።

ኣብቲ ኣኼባ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብደልፈታሕ ኣልሲሲን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ መሃመት ሓዊሱ ኣባላት እቲ ቢሮ ዝኾና ሃገራት ኬንያ፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ማሊን መራሕቲ ዕዱማት ኮይኖም።

እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ከምዝበሉዎ፥ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መምርሒ ንምጥንኻረር ብኣተሓባባርነት ፕዚዳናት ደቡብ ኣፍሪካ ዝተሳለጠ ኣኼባ ዕዉት ዘተ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብ ጉዳይ ኣመላልኣ ማይ እቲ ግድብ ቀፃሊ ቴክኒካዊ ዘተታት ንምክያድ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንዝበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክን ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብደልፈታሕ ኣልሲሲን ኣድናቖቶም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment