ቀዳማይ ስራሕ መንግስቲ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ምህናፅን ዝተጎድኡ ዜጋታት ምጥያሽ ኢዩ – ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ምህናፅን ዝተጎድኡ ዜጋታት ምጥያሽን ቀዳማይ ተግባር መንግስቲ ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል ዋሕዚ ሓበሬታ ኣዋጅ ክፁፅ እዋን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳን ኣብ ህልዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ብፍላይ ኣብተ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ መግለፂኦም፥ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ “ኣብ ምህዳን ገበነኛታትን ዳግመ ህንፀትን ምዕራፍ” ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ምዕራፍ ዝፈረሱ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ምፅጋንን ዝተጎድኡ መሰረት ልምዓታት መሊስካ ክጣየሹ ምግባርን ቀዳማይ ስራሕ መንግስቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
መሕብኢ ቦታ ገበነኛታት ኣቐዲሙ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ገበነኛታት ናይ ምሓዝ ስራሕቲ ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር ገሊፆም።
ሓደ ሓደ ትካላት ሓገዝን መራኸብቲ ሓፋሽን ናብቲ ክልል ብቐሊሉ ክበፅሑ ብዘይምኽኣሎም ዘስምዑዎ ቅርታ ምህላዉ ብምሕባር፤ ይኹን እምበር ሓገዝ ውሃብቲ ትካላት ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝሳለጡ ናይ ኣሰራርሓ ሕጊታት ካብ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዝወሃቡ ኣንፈታት ብምጥዕዓም ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።
እዚ ዝኸውን ድማ ሉኣላዊነት ሃገር ንምኽባር ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሎም ድሕንነት ኢዩ እውን ኢሎም።
ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ሓገዝ ናይ ምትሕብባር ሜላታት ትኹረት ብምግባር ኣብቲ ክልል እናተተግበረ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዝኾኑ ትካላት ሓገዝ ዘተሓባብሩ ናብ 10 ሚሊየን ዝፅግዑ ክላስተራት ብምጥያሽ ፕሮጀክት ሰብኣዊ ሓገዝ እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቶም ክላስተራት ድማ ኣብ ክላስተር ሕርሻን እንስሳትን፣ ማይን ሳኒቴሽንን፣ ጥዕና፣ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቕሑትን፣ ሎጂስቲክስ፣ ደቂ ኣንስቲዮን ህፃናትን ከምዝተኻተቱ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።
እቲ ዝግበር ርዳእታ ዝጅምረሉ ከባቢ ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ቅድሚ ምጅማሩ ኣቐዲሙ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ተረዳእቲ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment