ቀዳማይ ሚ/ር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ፕሬዚዳንት ሞሓመድ ኣብዱላሂን ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድን ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ እናተኻየደ ዝርከብ ሰለስተኣዊ ዘተ እቶም መራሕቲ፥ ኣብ ነናይ ሃገሮም ዓበይቲ ጉዳያትን ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣድሂቦም እናተዛተዩ ከምዝኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ሶማሊያን ሰለስተኣዊ ዘተ ንምግባር ትማሊ ናብ ኣስመራ ምእታም ይዝከር።

ፕዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድ ድማ ኣብቲ ዘተ ንምደስታፍ ሎሞ መዓልቲ ኢዮም ናብ ኣስመራ ዝኣተዉ።

ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን፥ ኣብ ወርሒ ጳጉሜን 2010 ዓ.ም ሰለስተኣዊ ምትእስሳረን ንምምዕባል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ኤርትራ ተፈራሪመን ከምዝነበራ ይዝከር።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ፕዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂን ኢዮም ፈሪሞምዎ።

ሰለስቲአን ሃገራት ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዓውዲታት ብሓባር ንክሰርሓ ዘሕግዝ ስምምዕነት ከምዝኾነ እውን ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment