ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ፆመ ረመዳን ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፅባሕ ዝጅምር ፆመ ረመዳን ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ፆመ ረመዳን ዓለም ብቫይረስኮሮና ኣብ ዝተጠቕዓትሉን ኩሉ ሰብ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዓሊሙ ብኢድ ሰላምታ ንምትራፍ፣ ኣብ ገዛ ምውዓልን ኣካላዊ ምርሕሓቕን ንክገብር ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ከምዚ ዓይነት ለበዳ እንተጋጥም ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ነብዩ መሓመድ ካብ ዝሃብዎ ኣስተመህሮ ሓደ፥ ምንቅስቓስ ሰባት ምግዳብ ኢዩ እውን ክብሉ ገሊፆም።

“ስለዝኾነ ፅርየት ሓደ ክፍሊ እምነት ኢዩ ኢሎም ነብዩ መሓመድ ብመሰረት ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ፅርየት ባዕልና፣ ከባቢናን ቤተሰብናን ብምሕላው ቫይረስኮሮና ብእምነትን ተግባርን ክንከላኸሎ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብ እዋን እዚ ፆም ንኻልኦት ብምክፋልን ምሕጋዝን ዝግበር እወንታዊ ተግባር ንቐፃሊ ደስታን ደግፍ ናብራን ዝፈጥር ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሆም።

ናይ ሎሚ ዘበን ዘካን ሰደቓን ስራሕቲ ንግዶም ንዝተዘሓሓሎም፣ ክራይ ገዛ ንምኽፋል ዘኽእል ዓቕሚ ንዝሰኣኑ፣ ክፍሊት ትምህርቲ ንምኽፋል ንዝተፀገሙን ደቆም ንምምጋብ ንዝኸበዶምን ክኸውን ከምዝግባእ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ፆመ ረመዳን ንዘጋጠመና ፀገም ንምፍታሕ ክንጥቀመሉ ኣለና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ንእወንታዊ ተግባር ተቐዳደሙ ክብል ቁርኣይ ከምዘምሃረና ኣብ ጎድኒ ሓገዝና ምስዝጠልቡ ወገናትና ንምዃን እናተቐዳደምና ዓቕሚ ገንዘብ እኳ እንተዘይሃለወና ኩሉ ዓይነት ፅቡቕ ተግባር ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ብኣካል ኣብ ሓደ ከባቢ ምትእኽኻብ እኳ እንተዘይተኽኣለ ብተግባርን መንፈስን ሓቢርና ከምዝኾንና ክነርእይ ይግባእ ክብሉ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር ዘሎ ፆመ ረመዳን ኣብ መንበሪ ምስ ቤተሰብ ብምዃን ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው ክፍፀም ኣለዎ ብምባል፥ “እዚ ፀገም ብሓገዝ ፈጣሪን ብናይ ሓባር ፃዕሪን ሓሊፍና ኣብ ቀፃሊ ዝኽበር ፆመ ረመዳን ከም ቀደምና ብሓባር ከምእነኽብሮ ተስፋ እገብር” እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment