ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዜጋታት ዝተኸልዎም ፈልሲታት ንክከናኸኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዜጋታት ዝተኸልዎም ፈልሲታት ንክከናኸኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምንባር ኣሰር ሓምለዋይ ልምዓት ዝተተኸሉ ፈልሲታት ንዝከናኸኑ ዘለዉ ኩሎም ንኢዶም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝፀደቐ መጠን ፈልሲ ዝበዝሐ ንኽፀድቕ ድማ ኩሉ ሰብ ዝተኸሎ ፈልሲ ንኽከናኸን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ 2011 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር 4 ቢሊየን ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ፥ ኣብ 2012 ዓ.ም ድማ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸሉ ይዝከር።

ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት 20 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment