ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉባኤ ሓምለዋይ ኣብዮት ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ተመክሮ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉባኤ ሓምለዋይ ኣብዮት ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ተመክሮ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማንን ምህዞ ዝተሓወሶ ንክኸውንን ኣብ ምግባር ብዙሕ ስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝነበሩ ጠንካራ ጎንታት ብምድሃብ ዝነኣድ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተዓመመ እውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ድሕሪ እቲ ቪዲዮ ኮንፈረንስ ከምዝበልዎ፥ ኣብቲ መድረኽ ጉባኤ ሓምለዋይ ኣብዮት ኣፍሪካ ረብሓ ዝህቡ ሓሳባት ምሕላፍ ምኽኣሎም ሕጉስ ምዃኖም ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment